ክትሰርሕ ደሊኻ ወይ ድማ መዓልታዊ ግዜኻ ብትርጉም ዝህበካ ዕዮ ክትመልኦ ደሊኻ፣ ግን ነዚ ብኸመይ ከምእትጭብጦ ኣይፈለጥካን?

ኣብ ከተማ ኣርንሀም ይኹን ኣብ እትቕመጠሉ ከባቢ ኩሉ ዓይነት ተኽእሎታት ኣሎ። ካባኻ ግን እንታይ ከምእትደልን ወይ ከምእትኽእልን ወይ ድማ እንታይ ዓይነት ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድልየካን ክንሰምዕ ንደሊ ኢና።

ኣብዚ opwegnaarwerk.nu ዝብል ድሕረገጽ ወይ ድማ ዌብሳይት፡ ናይ ካልኦት ሰባት ኣብነት ክትረክብን ክትርእን ትኽእል። ካብቲ ኣብነታት ንዓኻ ዝምስጥ ረኺብካ ወይ ድማ ካልእ ድሌት ይኹን ካልእ ሕቶ እንተሃልዩካ: ንውልቃዊ ዝርርብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብኡ መሰረት ድማ ንሕና፡ ኣብ ንዓኻ ዝቐረበ ቦታ ምሳኻ ቆጸራ ብምሓዝ ምሳኻ ሓቢርና ድማ ንመጻኢ ዘሰጉመካን ምስኻ ዝኸይድ ነገራትን ንክንርኢ፡ ክንረኽበካ ኢና።

ኣብ ስራሕ ናይ ምድላይ ጉዕዞኻ ናይ ውልቅኻ መገዲ ንምርካብ ነዚ ዕድል ተጠቐመሉ!

ዝኾነ ሕቶ እንተሃልዩካ፡ በዚ ቁጽሪ ቴለፎን 06-82674020 ወይ ድማ ኢ-መይል info@opwegnaarwerk.nu ምስ ንቁጣ ሓበሬታ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። (እዚ ናይ ሓበሬታ ንቑጣ ብCentrum Activerend Werk ዝተዳለወ እዩ).

እዚ ጉዕዞ ናብ መገዲ ስራሕ ሓባራዊ ስራሕ ናይ ምምሕዳር ከተማ ኣርንሀም፡ Sociaal Wijkteam Arnhem፡ Scalaborን Centrum Activerend Werkን እዩ።

Scroll naar boven